Grade 1 TG Scinece
Grade 1 TG Scinece
ይ
1 ክፍሊ
መምርሒ ንመምህር
i
ከባቢያዊ ሳይንስ
1ይ ክፍሊ
መምርሒ ንመምህር
መዲለዊ፡- ቁልፉ ከይዱ ስራሕ ምዴላውን ትግበራን
ስርዒተ ትምህርቲ
ii
© መሰል ሕትመት ብቢሮ ትምህርቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሕልው እዩ።
ቐዲማይ ሕታም 2004 ዒ/ም
iii
ሰዯቓ ትሕዜቶ
ምዕራፍ ሓዯ ........................................................................................................................ 1
ንሕና ................................................................................................................................... 1
ስዴራ ቤት ......................................................................................................................... 16
ቤት ትምህርትና................................................................................................................ 32
ምዕራፍ 4 .......................................................................................................................... 44
ጣብያና .............................................................................................................................. 44
iv
ምዕራፍ ሓዯ
ንሕና
ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት ወዴሰብ
መእተዊ
እዙ ምዕራፍ ተምሃሮ ብዚዕባ ኣስማት ዯጋዊ ክፍለ ኣካላቶም፣ ግዯ ወይ ተግባር
ሕዴሕዴ ክፍለ ኣካላት፣ ክንክን ዯጋዊ ኣካላትን ፅርየቶምን፤ መሰረታዊ ዴልየታት
ወዴሰብ፣ ረብሓ መሰረታዊ ዴልየታት ወዴሰብ፣ ልሙዲት ሕማማትን ሜላ
ምክልኻልን፤ ብፍላይ ዴማ ብዚዕባ ኤዴስ እኹል ግንዚበ ክህልዎምን፤ ብዚዕባ ስምዑት
ህዋሳትን ተግባሮምን መሰረታዊ ፍልጠት ዜረኽብሉ ምዕራፍ እዩ፡፡
1
2. ሞያን ክእለትን ንምምዕባል
- ንዯጋዊ ክፍለ ኣካላቶም ምክንኻን
- ነገራት ብምዴህሳስ ፍሩይ፣ ልሙፅ፣ ሓርፊፍ፣ ውዐይን ዜሑልን ብምባል
ምፍላይ
- ክንክን ዜርኣትን ኣቑሑት ገዚን ምግባር
- ቀፅሪ ቤት ትምህርቶም ምምርማር
- ፅቡቕ ረኽቢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምህላው
- ወረቐት፣ ሓመዴ ወይ ጭቃ ብምጥቃም ተምበልበልቲ ማዕረ ቅርፅን፣ ስእሊ፣
ብንፊስ ዜንቀሳቐሱ ነገራት ምስራሕ
- ተኽልታት ኣእዋም፣ ኣናእሽተይ ተኽልታትን ብምባል ምምዲብን ክንክን
ምግባርን
- እንስሳት እንስሳት ቤትን እንስሳት ገዲምን ብምባል ምምዲብን ክንክን
ምግባርን
- ዒይነታት ስራሕቲ ውልቃውን መንግስታውን ኢልካ ምምዲብ
- ብጉጅለ ይሰርሑ፣ ነንሕዴሕድም ይተሓጋገዘ ይከባበሩን ይፊቐሩን
ነንሕዴሕድም ይፊተው።
- ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ብምክያዴ ክእለት ምዕባይ፣ ምዕዚብ፣ ምሕታት፣
ምርኻብ (ምምይያጥ) ሞዳላት ምስራሕ፣ ሓቢርካ ምስራሕን ምምዲብን
2
- ከጥቅዕዎም ዜኽእሉ ልሙዲት ሕማማት /ኤዴስ/ ይፀርሑ፣
- ነዝም ሕማማት ንምውጋዴ ዜሕግዘ ጥንቃቐታት ይዜርዜሩ፣
- ሓሙሸቲኦም ስምዑት ህዋሳትን ረብሐኦምን ይዜርዜሩ፣
- ቀንዱ ፍልፍል ብርሃን ይፇልዩ፣
- እንተነኣሰ ሸውዒተ ሕብርታት ይዜርዜሩ፣
- ልሙዲት ፍልፍል ዴምፂ ይፇልዩ፣
- ስምዑት ምርኣይ ተጠቒሞም ግቡእ ትዕዜብቲ ይገብሩ፣
- ጣዕምታት ልሙዲት ዒውዯ ኣካላት ይገልፁ፣
- ስምዑት ምስማዕ ተጠቒሞም ግቡእ ትዕዜብቲ ይገብሩ፣
- ጣዕምታት ልሙዲት ንጥረ ነገራት ይዜርዜሩ፣
- ስምዑት ምጥዒም ተጠቒሞም ግቡእ ትዕዜብቲ ይገብሩ፣
- ንልሙዲት ዒውዯ ኣካላት ፅቡቕ ወይ ሕማቕ ጨና ብምባል ይፇልዩ፡፡
- ስምዑት ምጭናው ተጠቒሞም ግቡእ ትዕዜብቲ ይገብሩ፣
- ነገራት ሓርፊፍ፣ ወይ ልሙፅ፣ ውዐይን ዜሑልን ብምባል ይዜርዜሩ፣
- ስምዑት ምዴህሳስ ተጠቒሞም ግቡእ ትዕዜብቲ ይገበሩ፡፡
መረዲእታ ንመምህር
ወዴሰብ ዜተፇላለዩ ክፍለ ኣካላት ኣለዉዎ፡፡ ንሳቶም እውን ዯጋውን ውሽጣውን ክፍለ
ኣካላት ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይምዯቡ፡፡ ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት ዜበሃሉ ርእሲ፣ ጨጉሪ፣
እዜኒ፣ ዒይኒ፣ ኣፍንጫ፣ ኣፍ፣ ክሳዴ፣ ኢዴ፣ ኣፍልቢ፣ ቆርበት፣ ከብዱ፣ ሑቐ፣ እግሪ
ወተ ዜበሉ ብዯገ ዜረኣዩ ኣካላት እንትኾኑ ውሽጣዊ ክፍለ ኣካላት እንብሎም ዴማ
ከም ሓንጎል፣ ልቢ፣ ከሽዏ፣ ፀላም ከበዱ፣ መዒናጡ ዜበሉ ኣብ ውሽጢ ዜርከቡ ክፍለ
ኣካላት እዮም፡፡ ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት ሕዴሕድም ረብሓ ኣለዎም፡፡ ወዴሰብ ንኽነብር
ሰለስተ ነገራት የዴልዮ፡፡ ንሳቶም እውን ምግቢ፣ ኽዲንን መፅለልን እዮም፡፡ ዜተፇላለዩ
ንሰብ ከጥቅዐ ዜኽእሉ ልሙዲት ሕማማት ከም ውፅኣት፣ ዒሶ፣ ሰዒል ብፍላይ ዴማ
ኤዴስ ኣብዙ ሐዙ እዋን ንህፃናትን መንእሰይ ወለድን ጥቅዕ ሕማም እዩ፡፡ ብምንኽኻእ
ዯምን ብበላሕቲ ነገራትን ክመሓላለፍ ዜኽእል ከምዜኾነ፣ ወዴሰብ ብሓሙሽቲኦም
ስምዑት ህዋሳት ኣቢሉ ከጫኑ፣ ክርኢ፣ ከዴምፅ፣ ክጥዕምን ክዴህስስን ይኽእል፡፡ እዝም
ኣካላት ስምዑት ኣብ ሰብ ጥራሕ ከይኮኑስ ኣብ ከባቢና ዜርከቡ እንስሳት እውን
ኣለዉዎም እዮም፡፡
3
መምሃሪ ሓገዜ
- ዯጋዊ ክፍለ ኣካል ርኢ ስእሊ
- ሞዳል ወዴሰብ
- መሰንተር
- ባህላውን በናውን መመወፂ ስኒ
- ጡጥ
- ብሕማም ኤዴስ ዜተጠቕዐ ሰባት ርእዩ ፖስተራት
- ፍሊት
- ሑፃ
- ሰዯቓታት
ኣግባብ ኣመሃህራ
መምህር ብዚዕባ ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት ኣብ ምህርሉ እዋን መምህር ባዕሎም ናብ ዯጋዊ
ኣካላቶም እናመልከቱ የርእይዎም፡፡ ብዴሕሪ እዘይ ናይቶም እናመልከቱ ርኣዩዎም
ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት ባዕልቶም ስማቶም ክፅውዐ ይግበሩ፡፡ ብዴሕሪኡ ተምሃሮ እውን
ዯጊሞም ክብሉ የተባብዕዎም፡፡
ብዚዕባ ተግባር ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት እንተምህሩ ፇለማ ተምሃሮ ባዕሎም ሕዴሕዴ ዯጋዊ
ክፍለ ኣካላቶም እንታይ ተግባር ከምለዎም ክዚረቡ ይግበሩ፡፡ ቀፂሎም ነዝም ዜስዕቡ
ንጥፇታት የስርሕዎም፡፡
4
ንጥፇት 2. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ኣብቲ ሰዯቓ ለዉ ስእልታት ብምርኣይ
ተግባር ዯጋዊ ኣካላት ክገልፁ ይግበሩ፡፡
5
ክቖርፁን ከምለዎም፣ ዜተፇላዩ መምሃሪ ሓገዚት ከም ስእልታት፣ ፖስተራት ወተ
ተጠቒሞም ስፍሕ ዜበለ መብርሂ ዴሕሪ ምሃብ ፅርየት ሰውነትና እንተይሓሊና
ብዜተፇላለዩ ሕማማት ክንጥቃዕን ክንመውትን ከምንኽእል ይግለፁሎም፡፡
6
ኣብ መወዲእታ መምህር ባዕሎም ምግቢ ንዕብየት፣ ንጥንካረን ጉልበትን ከምዜጠቅም
ወዴሰብ ምግቢ እንተይበሊዐ ክነብር ከምይኽእልን ልሙዴን ይልሙዴን ምግቢ
ከምሎ እዙኦም እውን ከም እንጀራ፣ ተኽልታትን ካልኦት ነገራትን ኩሉ ግ ዜብልዐ
እንትኾኑ ከም ስጋን ካልኦትን ዜበሉ ዴማ ኩሉ ግ ይብልዐ ምዃኖም ይግለፁሎም፡፡
ብዚዕባ ረብሓ ኸዲን እንተምህሩ ዴማ ፇለማ ተምሃሮ ባዕሎም ብዚዕባ ረብሓ ኽዲን
ንኽዜርዜሩን ክገልፁን ይሕተትዎም፡፡ ኽዲን ንምንታይ ከምዜጠቅምን ክዲን
እንተይተኸዱኖም እንታይ ከምዜስመዖም ንኽገልፁ የተባብዕዎም፡፡
ቀፂሎም ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ብዚዕባ ረብሓ ኽዲን ዜምልከቱ ንጥፇታት
የስርሕዎም፡፡
7
ንጥፇት 14. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ሎ ስእሊ ብምስትውዒል ገዚ ካብ
ምንታይ ከምዜከላኸል ንምግላፅ ነቲ ክፍቲ ቦታ ከማልኡ ይግበሩ፡
ብተወሳኺ እውን ገዚ ምስራሕ ንምንታይ ከምዴልየና ክዚረቡ ይግበሩ፡፡
መምህር ነዙ ንኡስ ርእሲ እንተጠቓልሉ መፅለሊ /ገዚ/ ካብ ኣየር ፀባይ /ዚሕሊ፣ ረስኒ
ፀሓይ፣ ዜናብን ንፊስን/፣ ካብ ጎዲእቲ እንስሳት ገዲም ንምክልኻል ከምዜጠቅምን
ብተወሳኺ እውን ንብረትና ንምዕቃብ ከም ዜጠቕመና ስፍሕ ዜበለ መብርሂ
ይሃብዎም፡፡
8
ብምቑፃር በዜሒ ከቐምጡ ይግበሩ፡፡ ኣብ መወዲእታ ነቲ ቀፂሉ ሎ
መልመዱ ክሰርሑ ብምግባር ዯፍተሮም ይኣርሙሎም።
መምህር ኣብ መወዲእታ ኣብ ከባቢና ዜረኣዩ ልሙዲት ሕማማት ከም ሰዒል፣ ጎንዯራ፣
ዒሶን ውፅኣትን ከምዜኾኑ ዴሕሪ ምግላፅ እዝም ሕማማት ካብ ሕሙም ሰብ ናብ ጥዐይ
ሰብ ብሃፊ፣ ብንፊስን ብረሃፅ ናይ መመገቢ ኣቑሑ ሓቢርካ ብምጥቃምን፣ ክመሓላለፈ
ከምዜኽእሉ ስፍሕ ዜበለ መብርሂ ምስ ሃቡዎም ቀፂሎም ብዝም ሕማማት ዜተትሓዘ
ሰባት ማለት ሰዒል ዜሓዝ ሰብ እንትስዕል መሃረም (መንዱል) ክጥቀም ከምለዎን
ዒኽትኡ ኣብ ዜኾነ ቦታ ክዴርቢ ወይ እንትፍ ክብል ከምይብሉ፣ ውፅኣት ዜሓዝ ሰብ
ዴማ ኣብ ዜኾነ ቦታ ወይ ካብ ሽቓቕ ወፃኢ ክፍትን ከምይብሉን ካብ ሽቓቕ ምስ ወፀ
ኢደ ብሳሙና ክሕፀብ ከምለዎን፣ ሕማም ኤዴስ ብዯም ንኽክእ፣ ብበላሕቲ ነገራት
ዜመሓላለፍ ከምዜኾነን ስለዙ ተምሃሮ ዜኾነ ይኹን ሰብ እንተዯምዩ ብኢድም ክሕዘ
ከምይብሎም፣ በላሕቲ ነገራት ካብ ምሓዜ’ውን ክቑጠቡ ከምለዎም፤ ሕማም ዒሶ
ብጣንጡ ከምዜመሓላለፍ፡፡ ካብ ሕማም ዒሶ ንምዴሓን ጣንጡ እትዒርፇሉ ጀቕጀቕ
ቦታ ምዴፊንን ኣጎበር (ዚንዛራ) ምጥቃም ብዜብል ስፍሕ ዜበለ መብርሂ ይሃብዎ፣
9
ንጥፇት 19. ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ለዉ ስእልታት ብምርኣይ እንታይ ዒይነት
ፍልፍል ብርሃን ከምዜኾኑ ክዜርዜሩ ይግበሩ፡፡ ቀፂሎም ብተፇጥሮን
ብሰብ ዜተሰርሑን ፍልፍላት ብርሃን ብምርኣይ ክፇልዩ ይግበሩ፡፡
ንጥፇት 20. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከቡ ስእልታት ብምርኣይ ኣብነት
ከርእዩ ይግበሩ፡፡ ስም ሕብርታት ኣብ ገዜኦም ናይ ዜርከቡ ሕብሪ
ኽዲውንትን ናይ መሓዘቶምን ንክፅውዐ ይግበሩ፡፡
ንጥፇት 21. ተምሃሮ ኣብ ከባቢኦም ዜርከብ ንጥፇት መሰረት ገይሮም ስም ሕብርታት
ክዲውንቲ መሓዘቶም ፃዕዲ፣ ቀይሕ፣ ፀሊም፣ ሓምለዋይ፣ ሰማያዊ
እናበሉ ክዚረቡ ይግበሩ።
መምህር ብዚዕባ ስምዑት ኣካል እዜኒ እንተምህሩ ፇለማ ተምሃሮ ባዕልቶም እዜኖም
ንምንታይ ከምዜጠቕሞም፣ ብእዜኖም እንታይ ዒይነት ዴምፂ ከምዜስምዐ ንኽዚረቡ
ይሕተትዎም፡፡
10
ንጥፇት 25. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከቡ ስእልታት ብምርኣይ ሰባት
እንትሕጎሱን እንትጭነቑን ስምዕዎ ዴምፂ ክፇልዩን ኣምሲሎም
ከዴምፁን ይግበሩ፡፡
11
ጨው ዴማ ናይ ጨው ጣዕሚ ከምለዎ ስፍሕ ብዜበለ ይግለፁሎም፡፡ ብተወሳኺ እውን
ዜኾነ ይኹን ነገር ዜጎዴእን ይጎዴእን ምዃኑ እንተይፇለጡ ክጥዕሙ ከምይብሎም
ይዚረቡዎም፡፡
መምህር ብዚዕባ ስምዑት ኣካል ኣፍንጫ እንተምህሩ ፇለማ ንተምሃሮ ዕዴል ብምሃብ
ዜተፇላለዩ ዒውዯ ኣካላት ብጨነኦም ከመይ ከምዜፍለዩ ይሕተትዎም፡፡ ተምሃሮ ዒውዯ
ኣካላት ናይ ሕማቕን ፅቡቕን ምጭናው ባህሪ ከምለዎም ኣብነት ክህቡ ይግበሩ፡፡ ሜላ
ግዯኻ ምፅዋት ተጠቒሞም ናይ ሓዯ ነገር ሕማቕን ፅቡቕን ጨና ውፅኢቱ ክዚረቡ
ይንገርዎም፡፡ ቀፂሎም ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜረከቡ ንስምዑት ኣካል ኣፍንጫ
ዜምልከቱ ንጥፇታት ክሰርሑ ይግበሩ፡፡
ንጥፇት 29. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከብ ስእሊ ዒውዯ ኣካላት ብምርኣይ
ሕማቕን ፅቡቕን ጨና ብምባል ክፇልዩ ይግበሩ፡፡ ብምቕፃል ኣብ
ከባቢኦም ዜርከቡ ዜተፇላለዩ ዒይነታት ጨና ከመይ ከምዜፇልዩዎ
ክዚረቡ ይግበሩ፡፡ ብተወሳኺ እውን ዜተፇላለየ ጨና ለዎም ነገራት
ብምምፃእ ተምሃሮ ንከጫንዉዎምን እንታይ ዒይነት ጨና ከምለዎም
ክፇልዩን ይግበሩ፡፡
ንጥፇት 30. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ብዜርከብ ንጥፇት መሰረት ሕማቕ ጨና
እንትጨንዎም እንታይ ከምዜስመዖም ኣብ ክፍሊ ኣምሲሎም ከርእዩ
ይግበሩ፡፡
12
ንጥፇት 31. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከቡ ስእልታት ብምርኣይ ሓርፊፍ
እንተኾይኑ ምስ ሓርፊፍ፣ ልሙፅ እንተኾይኑ ምስ ልሙፅን ካልኦትን
ብምባል ከዚምደ ይግበሩ፡፡ ቀፂሎም ነቶም ስእልታት ብምርኣይ
ሓርፊፍን ልሙፅን ኢሎም ክፇልዩ ይግበሩ፡፡ ኣብ መወዲእታ ኣብ
መፅሓፍ ተምሃራይ ለው መልመዴታት ክሰርሑ ብምግባር
ይኣርሙሎም።
መጠቓለሊ
ኣብ መወዲእታ ነዝም ዜስዕቡ ቀንዱ ነጥብታት መሰረት ብምግባር መጠቓለሊ
ይሃቡዎም፡፡
- ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት ዜበሃሉ ርእሲ፣ ፀጉሪ፣ እዜኒ፣ ዒይኒ፣ ኣፍንጫ፣ ኣፍ፣
ኢዴ፣ ኣፃብዕትን ካልኦትን ከምዜኾኑ ይፀውዐሎም፣
- ብእግርና ንኸይዴ፣ ብዒይንና ንርኢ፣ ብእዜንና ንሰምዕን ካልኦትን ኢሎም
የብርሁሎም፣
- ፀጉርና፣ ገፅና እግርና በብእዋኑ፣ ኩሉ ግ ሰውነትና፣ ፀጉርና በብመዒልቱ
ክንሕፀብን ክንስንትርን ከምለና፣
- መሰረታዊ ዴልየታት ዜበሃሉ ምግቢ፣ ኽዲንን መፅለልን ከምዜኾኑ፣ ምግቢ
ንጥዕና ንጥንካረን ዕብየትን፤ ኽዲንን መፅለልን ዴማ ካብ ዚሕሊ ዋዕን ንፊስን
ከምዜከላኸሉልና፣
- ውፅኣት፣ ዒሶ፣ ሰዒል፣ ኤዴስን ንሰብ ጥቅዐ ልሙዲት ሕማማት ከምዜኾኑ፣
13
- ኣካላት ስምዑት ንምርኣይ፣ ንምጭናው፣ ንምጥዒምን ንምዴህሳስን
ከምዜጠቕሙ፣
- ሕማማት ማለት ዒሶ ዚንዛራ፣ ጎንዯራ፣ ሽቓቕ ብምጥቃምን ሰዒል ማዕፆ ገዚና
ኣየር ከምዜኣትዎ ብምኽፊትን ምክልኻል ከምንኽእል፣
ኣገባብ ገምጋም
እቲ መምህር ሕዴሕዴ ስራሕ ተምሃሮ ኣብ መላእ ምዕራፍ ብተኸታታሊ ክምዜኖምን
ምስ እዝም ዜስዕቡ ኣገላልፃታት ብመሰረት ዜርዜር ዕላማታት ተምሃሮ ኣፅጋቢ ተዯላዪ
ዯረጃ ብቕዒት ከምዜጨበጡ ክውስን ኣለዎ፡፡
14
ክፍለ ግ
ነዙ ምዕራፍ ዜተመዯበ ክፍለ ግ 57 እንትኸውን ከምዜስዕብ ተሸንሺኑ
- ዯጋዊ ክፍለ ኣካላት ሰውነት………………………….10
- መሰረታዊ ዴልየታት ወዴሰብ ……………………… 8
- ንሰብ ጥቅዐ ልሙዲት ሕማማት …………………..11
- ሓሙሽቲኦም ስምዑት ህዋሳት ……………………… 28
15
ምዕራፍ ክልተ
ስዴራ ቤት
መእተዊ
እዙ ምዕራፍ ስዴራ ቤት ዜምልከት ኮይኑ ብፍላይ ዴማ ብዚዕባ ኣባላት ስዴራ ቤት፣
ኣብ ሓዯ ስዴራ ቤት ክህሉ ለዎ ቤተሰባዊ ስነ ምግባር፣ ሓላፍነት ወለዴን ፍልፍል
እቶት ስዴራ ቤትን ዜመሃርሉ እዩ፡፡
ዜርዜር ዕላማታት
- ኣባላት ስዴራ ቤት ይዜርዜሩ፡፡
- ስራሕ ኣባላት ስዴረኦም ይዜርዜሩ፡፡
- ኣባላት ስዴራ ቤት ምግቢ፣ ኽዲን፣ መፅለልን ከምዯልዮም ይገልፁ፡፡
- ንካልኦት ኣባላት ስዴራ ሓገዜቲ፣ የዋሃትን ሓላፍነት ዜስመዖምን ኮይኖም
ብተግባር የርእዩ፡፡
- ስዴራና ምግቢ መፅለልን ኽዲንን ከምዴልዮም ይገልፁ፡፡
- ሕርሻ ፍልፍል ምግቢ ከምዜኾነ ይገልፁ፡፡
- ኣብ ገዜኦም ዜርከቡ ረኣትን ውፅኢት ዜርኣትን ይፅውዐ፡፡
- ዜተፇላለዩ ዒይነታት ኽዲውንቲ ይፅውዐ፡፡
- ንኽዲን መስርሒ ዜጠቕሙ ነገራት ይዜርዜሩ፣
- ዜተፇላለዩ ዒይነታት መፅለሊ ይፇልዩ፣
- ገዚ ንምስራሕ ዜጠቕሙ ነገራት ይፅውዐ፡፡
- ዜተፇላለዩ ፇርኒቸራት ይፅውዐ፡፡
- ኣብነታት መሳርሕታት ኤሌክትሪክ ይህቡ፡፡
- ረብሓ ዜተወሰኑ ፇርኒቸራት ይዜርዜሩ፡፡
- ረብሓ ዜተወሰኑ መሳርሕታት ኤሌክትሪክ ይዜርዜሩ፡፡
- ረብሓ ዜተወሰኑ ኣቑሑ መኣዱ ይዜርዜሩ፡፡
- ኣብ ገዚ ዜበፅሕ ሓዯጋ ይፇልዩ፡፡
- ንመስርሒ ኣቑሑ ገዚ ዜጠቕሙ ነገራት ይዜርዜሩ፡፡
- ኣቑሑ ገዚ ከመይ ከምዜፀርን ክግበር ዜግባእ ጥንቃቐን ይዜርዜሩ፡፡
16
- ንኣቑሑ ገዚ ዜግበር ጥንቃቐ ሰሪሖም የርእዩ፡፡
- ኣብ ገዚ ዜገጥም ሓዯጋ ከመይ ከምዜውገዴ ይዜርዜሩ፡፡
መረዲእታ ንመምህር
ኣብ ሓዯ ገዚ ዜነብሩ ኣቦ፣ ኣድ፣ ኣሕዋት፣ ኣቦሓጎ፣ እናሓጎ፣ ኣኮን ኣሞን ብሓባር
ስዴራ ቤት ይበሃሉ፡፡ ብተወሳኺ ጓሳ፣ ዋርዴያን ሰራሕተኛ ገዚን እውን ኣባላት እቲ
ስዴራ እዮም፡፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ስዴራ ቤት ፅቡቕ ቤተሰባዊ ስነ ምግባር ክህሉ
ኣለዎ፡፡ ካብ መንጎ እቶም ፅቡቕ ቤተሰባዊ ስነ ምግባራት እዝም ዜስዕቡ ይርከብዎም፡፡
ምፍቓር፡- ፍቕሪ ብዜተፇላለየ መልክዕ ክግለፅ ይኽእል፡፡ ፍቕሪ ውላዴ፣ ፍቕሪ ወላዱ፣
ፍቐሪ ሃገር፣ ፍቕሪ ትምህርቲ፣ ፍቕሪ ዒርክን ካልኦት የጠቓልል፡፡ ፍቕሪ ወለዱ በዙ
ዜስዕብ ይግለፅ፡፡ ውላዴካ ምኽዲን፣ ምምጋብን ምምሃርን ካልኦትን እዮም፡፡
ምክብባር፡- ኣብ ሞንጎ ስዴራ ቤት ሰላም ዜህሉ ምክብባር እንትህሉ ጥራሕ እዩ፡፡ ፍቕርን
ሰላምን ዜህሉ ሰብኣይ ንሰበይቱ ሰበይቲ ንሰብኣያ ወለዱ ንዯቆም ዯቆም እውን ንወለድም
እንተኽብሩ ኣብ ገዚ ስኒት ይህሉ፡፡
17
ተኣማንነት፡- ተኣማንነት ብዜተፇላለየ መልክዕ ክግለፅ ይኽእል፡፡ ይምሕሳው፣ ገንብ
ይኹን ካልእ ይምስራቕ፣ ልኡኽ ብግቡእ ምፍፃም፣ ሓቂ ምዜራብን ምስጢር ምዕቃብን
ካልኦትን የጠቓልል፡፡
ንግዱ፡- ንግዱ ማለት ፍርያት ሕርሻ ይኹን ፍርያት ኢንደስትሪ ብሕሳር ገዙእኻ ብኽባር
ምሻጥ እዩ፡፡ ፍርያት ሕርሻ ይኹን ፍርያት ኢንደስትሪ ገዙኡ ዜሸይጥ ሰብ ነጋዲይ
ይበሃል፡፡ ነጋዲይ ዜሓሰሩ ነገራት ገዙኡ ብምሻጥ ከስቢ ይረክብ፡፡
ስራሕቲ ሸኽላ፡- ስራሕቲ ሸኽላ ዜበሃል ካብ ጭቃ፣ ዕትሮ፣ ፃሕሊ፣ ዋንጫን ካልኦትን
ዜስራሐሉ ኣግባብ እዩ፡፡ ብዘሓት ኣባላት ስዴራ ቤት ኣብዙ ተዋፉሮም መነባብሮኦም
ይዯፍኡ፡፡
18
ማእለማ፡- ስራሕቲ ማእለማ ከም ኩታ፣ ጋቢ፣ ነፀላ፣ ኣፇዋሽ ወተ ዜስርሐሉ እዩ፡፡
ንስራሕቲ ማእለማ ዜውዕሉ ነገራት ዴማ ዜተፇተለ ጡጥ፣ ዜሃ ወተ እዮም፡፡ ስለዙ ኣብዙ
ዜተዋፇሩ ሰባት ዜኣለሙዎ ዒለባ እናሸጡ ይመሓዴሩ፡፡
ስራሕቲ ሓፂን መፂን፡- ስራሕቲ ሓፂን መፂን ሓፂንን ካልኦት ዒይነታት ብረትን
ብምጥቃም ዜተፇላለዩ ናውቲ ናይ ምስራሕ ጥበብ እዩ፡፡ በዙ ጥበብ እዘይ ዜስርሑ ነገራት
ከም መሳርሕታት ሕርሻ፣ ኣቑሑት ገዚን ካልኦትን የጠቓልል፡፡ ስለዙ ክፊል ሕብረተሰብ
ነዙ ስራሕ ብምስራሕ እናሸጠ ይመሓዯር፡፡
መምሃሪ ሓገዜ
- ኣባላት ስዴራ ቤት ርእዩ ፖስተራት፣
- ስእልታት
- ቻርትታት
- ዜተፇላለዩ ዒይነታት ዜርኣትን ውፅኢት ዜራእትን
- ስእልታት ዜተፇላለዩ ዒይነታት ገዚውቲ
- ስእልታት መስርሒ ገዚ
- ጡጥ
- ብርጭቆ፣ ፃሕሊ፣ ኣገልግል ወተ
- ባራኪና
19
ኣግባብ ኣመሃህራ
መምህር ኣብዙ ክፍሊ እዘይ ለዉ ተምሃሮ ህፃናትን ገና ምፅሓፍን ምንባብን ይከኣሉ
ከምዜኾኑ ኣብ ግምት ከእትዉን ክጥንቀቑን ኣለዎም፡፡ ሕዴሕዴ ቃላት እምበር ሓሳባት
ክእክቡን ክፅሕፈን ስለይኽእሉ ሓሳባት ወይ ነዋሕቲ ፅሑፊት ከፅሕፈዎም የብሎምን፡፡
ኣባላት ስዴራ ዜብል ርእሲ ንምምሃር ፇለማ ተምሃሮ ናይ ባዕሎም ኣባላት ስዴራ ቤት
ክፇልዩ ይሕተትዎም፡፡ ቀፂሎም ናይ መሓዘቶም ኣባላት ስዴራ ቤት ክፅውዐ
የተባብዕዎም፡፡ ነቶም ሕቶታት እዙኦም ምስ መለሱ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ሎ ምስሊ
ብምርኣይ ሕዴሕዴ ኣባላት ስዴራ ቤት ኣስማቶም ክፅውዐ ይግበሩ፡፡
20
ብዚዕባ ብፅሒት ስራሕ ስዴራ ቤት እንተምህሩ ብቐዲምነት ተምሃሮ ባዕሎም ኣብ ገዜኦም
እንታይ ዒይነት ብፅሒት ሰራሕ ከምለዎም ክገልፁ ዴሕሪ ምግባር ወለድምን
ኣሕዋቶምን ኣፍቲ ስዴራ ለዎም ብፅሒት ስራሕ ክመያየጡ ይግበሩ፡፡
ብዚዕባ ፍልፍል እቶት ስዴራ ቤት እንተምህሩ ፇለማ ተምሃሮ ባዕሎም ፍልፍል እቶት
ስዴረኦም እንታይ ከምዜኾነ ክዚረቡ ይግበሩ፡፡ ሕዴሕዴ ተምሃሮ ወለድም ዜሰርሕዎ
ስራሕ እናወፁ ክዚረቡ ይግበሩ፡፡
21
ከምዜኾነ ክነዒቕ ከምይብሉን ተምሃሮ’ውን ብዒቕሞም ቀለልቲ ስራሕቲ ከምጫማ
ምፅራግን ካልኦትን ብምስራሕ እቶት ክረኽቡ ከምዜኽእሉ ስፍሕ ዜበለ መብርሂ
ይሃብዎም፡፡
መምህር ብዚዕባ ኽዲን ንምምሃር እንትዲለዉ ፇለማ ንተምሃሮ ዕዴል ብምሃብ ዜተፇላለዩ
ዒይነታት ኽዲን ክፅውዐን ክዜርዜሩን ይሕተትዎም፡፡ ካብዙኦም ኣብ ሓጋይን ክረምትን
ዜኽዯኑ ኽዲውንቲ ክፇልዩን ክዜርዜሩን ይግበሩ፡፡ ጫማ ኣብ ምንታይ ከምዜምዯብ ዴሕሪ
ምሕታት ኽዲን ካብ ምንታይ ከምዜስራሕ ንክገልፁ የተባብዕዎም፡፡
22
ቀፂሎም ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከብ ነዙ ዜምልከት ንጥፇት ክሰርሑ ይግበሩ፡፡
ንጥፇት 9. ተምሃሮ ኣብ ከባቢኦም ልሙዲት ዜኾኑ ኽዲውንቲ ክዜርዜሩ ይግበሩ፡፡
ቀፂሎም ነቲ ስእሊ ብምርኣይ ምስቶም ቃላት ከዚምዴዎም ይግበሩ፡፡
ንጥፇት 10. ተምሃሮ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ኣብቲ ሰዯቓ ዜርከቡ ስእልታት ብምርኣይ
ኽዲውንቲ ካብ ምንታይ ከምዜተሰርሑ ክዜርዜሩ ይግበሩ፡፡ ብተወሳኺ
እውን መሓዘቶም ዜገበርዎ ጫማ ካብ ምንታይ ከምዜተሰርሐ ክዚረቡ
ዕዴል ይሃቡዎም፡፡
23
ምንታይ ከምዜተሰርሑ ፀብፃብ ከቕርቡ የበረታትዕዎም፡፡ ኣብ
መወዲእታ ዴማ ነቲ ኣብ መፅሓፎም ሎ መልመዱ ክሰርሑ ይግበሩ።
ኣቑሑ ገዚ ዜብል ንኡስ ርእሲ እንተምህሩ ፇለማ ተምሃሮ ኣብ ገዜኦም ዜርከቡ ኣቑሑ
ገዚን ዜህብዎ ግልጋሎትን ንኽዜርዜሩሎም ይግበሩ፡፡ ቀፂሎም ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ
ለዉ ስእልታት ብምርኣይ ንጥፇታት የስርሕዎም፡፡
24
ንጥፇት 18. ተምሃሮ ነቶም ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከቡ ስእልታት ብምርኣይ ኣብ
ቤት መኣድም ይርከቡ ኣቑሑት ክዜርዜሩ ይግበሩ፡፡
25
ካልኦት ኣብ ገዜኦም ናይ ዜርከቡ ስማት ኣቑሑን ረብሓኦምን ክዚረቡን
የተባብዕዎም፡፡
26
ኣብ መወዲእታ መምህር ኣቑሑ ኤሌክትሪክ ዜተፇላለየ ረብሓ ከምለዎም ካብዙኦም
ሓቋፉ - ኣምፑል ኣምፑል ኣስጢሙ /ሓቚፈ/ ንምሓዜ፣ ኣምፑል ብርሃን ንምሃብ፣
መከፊፇሊ ሓይሊ ንምምጣን፣ ገመዴ ኤሌክትሪክ መብራህቲ ንምስሓብ፣ መብርህን
መጥፍእን ንምብራህን ንምጥፊእን፣ ቆፃሪ ዜተጠቐምናዮም ንምምዜጋብን ዜጠቕሙ
ከምዜኾኑ ስፍሕ ዜበለ መብርሂ ሂቦም የጠቓልልዎ፡፡
27
መምህር ብዚዕባ ንመስርሒ ኣቑሑ ገዚ ዜጠቕሙ ነገራት እንተምህሩ ፇለማ ተምሃሮ
ኣብ ገዜኦም ዜርከቡ ኣቑሑ ገዚ ካብ ምንታይ ከምዜተሰርሑ ክዚረቡ ይግበሩ፡፡
28
ክንውልውሎምን ከምለናን ከም ብርጭቆ፣ ዴስቲ፣ ፊኑስ ዜበሉ ተሰበርቲ
ዜኾኑ ኣቑሑ ክንዴርብዮም ከምይብልናን ብፍላይ ተምሃሮ ኣብ ገዜኦምን ኣብ
ቤት ትምህርቶምን ዜርከቡ ኣቑሑ ከምዳስክ፣ ወንበር፣ ሰሌዲን ካልኦትን
ብጥንቃቐ ክሕዘ ከምዜግባእ ስፍሕ ዜበለ መብርሂ ይሃቡዎም፡፡
መጠቓለሊ
መምህር ከይዱ ምምሃር ምስትምሃር እዙ ምዕራፍ ብኸምዙ ዜስዕብ የጠቓልልዎ፡፡
- ኣባላት ስዴራ ቤት ኣቦ፣ ኣድ ቆልዐትን ምስኦም ሓቢሮም ዜነብሩ
ኣዜማዴን የጠቓልል፡፡
- ኣብ ሞንጎ ኣባላት ስዴራ ቤት ምትሕልላይ፣ ምርዴዲእ፣ ምፍቓር፣
ምክብባር፣ ምትሕግጋዜን ተኣማንነትን ክህሉ ከምለዎ፣
- ብፅሒት ስራሕ ወለዱ ምምሕዲር ስዴራን ፍልፍል እቶት ምዃንን
ከምዜኾነ፣
- ብፅሒት ስራሕ ቆልዐ ምምሃር፣ ምልእኣኽ፣ ንምንኣሶም ምፅዋት፣
ቀለልቲ ስራሕቲ ምስራሕን ከምዜኾነ፣
- ስዴራ ቤታት ዜተፇላለየ ፍልፍል እቶት ከም ለዎም እቶም ቀንዱ ግና
ካብ መሃያ፣ ካብ ሕርሻ፣ ንግዱ ካብ ስራሕቲ ሓፂን መፂን፣ ሸኽላን
ማእለማን ካልኦትን ከምዜኾኑ፣
- ስዴራ ቤት ንኽነብሩ ምግቢ፣ ኽዲንን መፅለልን ከምዯልዮም፣
- ምግቢ ንምርካብ ዜተፇላለየ ስራሕቲ ምስራሕን ከም ስገም፣ ስርናይ፣
ጣፍን ካልኦትን ራእቲ ምፍራይ ከምዜግባእ፣
- ዜኽዯንዎ ኽዲን ዴማ ውፅኢት ማእለማ፣ ውፅኢት ኢንደስትርን ውፅኢት
እንስሳትን ከምዜኾኑ፣
- ዜተፇላለዩ ዒይነታት ኽዲን ከምለዉ እዙኦም እውን ከምጁባታት፣
ስረታት፣ ቀምሻትን ሸሚዚትን ወተ ከምዜኾኑ፣
- መፅለልታት፣ ከም ኣጉድ፣ ህዴሞ፣ ሰቐላን ፀፊሕቲ ኣፍገበላን ካልኦትን
ከምለዉ፣
- ኣብ ውሽጢ ገዚ ዜርከቡ ዜተፇላለዩ ግልጋሎት ዜህቡ ኣቑሑ ገዚ
ከምዜበሃሉ፣
29
- ኣቑሑ ገዚ ፅርየቶም ብምሕላውን ብግቡእ ብምሓዜን ብላቕነት
ክንጥቀመሎም ከምለና፣
- ኣቑሑ ገዚ ዴሕንነቶም ክንሕለወሎም ከምለና፣
- ኣቑሑ ኤሌክትሪክ ብርሑስ ኢዴና ክንሕዝም ከምይብልናን ካልኦትን
ብምባል የጠቓልሉሎም፡፡
ኣገባብ ገምጋም
መምህር ሕዴሕዴ ስራሕ ተምሃሮ ኣብ መላእ ምዕራፍ ብተኸታታሊ
ክምዜንዎምን ምስ እዝም ዜስዕቡ ኣገላልፃታት ብመሰረት ዜርዜር ዕላማታት
ተምሃሮ ዕግብ ዜተሓተ ተዯላዪ ዯረጃ ብቕዒት ከምዜጨበጡ ክውሰን ኣለዎ፡፡
30
ክፍለ ግ
ነዙ ምዕራፍ ዜተመዯበ ክፍለ ግ 48 እንትኸውን ብኸምዜስዕብ ተሸንሺኑ
- ኣባላት ስዴራ ቤት 11
- ስዴራ ቤት ምግቢ ኽዲን መፅለልን የዴልዮም 17
- ኣቑሑት ገዚ 20
31
ምዕራፍ ሰለስተ
ቤት ትምህርትና
መእተዊ
ሓፇሻዊ ዕላማታት
- ናይ ቤት ትምህርቲ ንጥፇታት ይገልፁን ብዚዕባ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ
ይመራመሩን፣
- ናይ ገዜኦም፣ ጎረባብቶምን ቤት ትምህርቶምን ሕግን ዯንብን የኽብሩ፣
- ኣብ ገዜኦም ጎረባብቶምን ኣብ ቤት ትምህርትን ፅቡቕ ርክብ የርእዩ፣
- ልሙዲት ሓዯጋታት መንገዱ ይዜርዜሩ፣
- ሜላ መከላኸሊ ሕማም ይገልፁን ወረቐት ተጠቒሞም ዜውርወሩን ብንፊስ
ዜንብልበሉን ይሰርሑ፣
- ኣብ’ዙ ምዕራፍ ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ሰሪሖም የርእዩ፡፡ ምዕቃብ፣
ምሕታት፣ ምርካብ፣ ሞዳላት ምስራሕ፣ ተሓባቢርኻ ምስራሕ የማዕብሉ፡፡
ዜርዜር ዕላማታት
ተምሃሮ ነዙ ምዕራፍ ምስተምሃሩ፡-
- ቀፅሪ ቤት ትምህርቶም ይገልፁ፣
- ናይ ቤት ትምህርቶም ንጥፇታት ይገልፁ፣
- ኣብ ፃውቲ ምስ መን ከምዜፃወቱ ምስ ካልኦት ቆልዐት ከመይ
ከምዜፃወቱ ይገልፁ፣
32
- ሕጊ ቤት ትምህርቲ የኽብሩ፣
- ሕግታት ገዚን ጎረባብትን የኽብሩ፣
- ፅቡቕ ርክብ ኣብ ገዚ ምስ ጎረባብትን ቤት ትምህርትን ይገብሩ፣
- ልሙዲት ሓዯጋጋት ፅርግያ ይገልፁ፣
- ምክልኻል ልሙዲት ሓዯጋታት ይዜርዜሩ፣
- ፅርግያ ብግቡእ ይሰግሩ፣
- ንጉደኣት ኣካላትን ህፃናትን ሓገዜ ይገብሩ፣
- ወረቐት ተጠቒሞም ተምበልበልትን ተወርወርትን ይሰርሑ፡፡
መረዲእታ ንመምህር
ቤት ትምህርቲ ህፃናትን መናእሰይን ሞያን ቀለምን ዜሰንቅሉ ማእኸል እዩ፡፡ ተ
ምሃሮ ህዜባዊ ኣረኣእያ ዜጭብጥሉን ፍልጠቶምን ክእለቶምን ማዕብልሉን
ትካል እዩ፡ ብተወሳኺ እውን ተምሃሮ ምስ ናይ ከባቢኦም ባህሊ ዜላለይሉ
ማእኸል እዩ፡፡
ኣብ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ ዜተፇላለዩ ነገራት ኣለዉ፡፡ እዙኦም እውን ዜተፇላለዩ
ግልጋሎት ዜህቡ ህንፃታት፣ ተኽልታት፣ ሽቓቕ፣ ኩዕሶ ሜዲ፣ ቡምባ ማይ
ባንዳራን ካልኦት ነገራትን እዮም፡፡ ብተወሳኺ እውን መፃሕፍቲ ዜንበበሉ ቤተ
መፃሕፍቲ ኣሎ፡፡ እዝም ዜተፇላለዩ ነገራት ተምሃሮ ብግቡእ ክጥቀሙሎምን
ግቡእ ኣተሓሕዚ ክገብሩሎምን ኣለዎም፡፡ ተኽልታት ክኹስኩስዎምን ማይ
ከስትዩዎምን ኣለዎም፡፡ ክረግፁዎምን ክቖርፁዎምን የብሎምን፡፡ ቡምባ ማይ፣
ሽቓቕ በብተራ ክጥቀሙ ኣለዎም፡፡ ኣብ ቤተ መፃሕፍቲ ብይ ዴምፂ ከንብቡ
ኣለዎም፡፡ መፃሕፍቲ ክቐደ የብሎምን፡፡ እንተቐዱድም ሕፅረት መፃሕፍቲ
የጋጥም፡፡ ሃፍቲ /ገንብ/ ዒዱ ይባኽን፡
33
ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ናብ ካልእ እንትጉዒዘ ክጥንቀቑ ኣለዎም፡፡
ስለዜኾነ ብወሰን፣ ብፀጋምን ፅርግያ ክኸደ ይግባእ፡፡ እንተቋርፁ ፀሊምን ፃዕዲን
ፅርግያ መንገዱ ክጥቀሙ ኣለዎም፡፡ መፍለዪ ምልክት /ሕብርታት ፅርግያ ከም
ቀይሕ ሕብሪ፣ መኪና ጠጠው በል እግረኛ ኪዴ፣ ብጫ ሕብሪ መኪና ተዲሎ
እግርኛ ተጠንቀቕ፣ ቆፅለዋይ ሕብሪ መኪና ትንቀሳቐስ እግረኛ ጠጠው በል
ዜብሉ ምልክታት ትራፉክ ፇሊጦም ክጥንቀቑ ይግባእ፡፡
መምሃሪ ሓገዜ
ኣብ ከይዱ ምምሃር ምስትምሃር እዙ ምዕራፍ ቀፂሎም ዜተሓበሩ መምሃሪ
ሓገዚት ምጥቃም ይከኣል፡፡
- ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከቡ ስእልታት ብምዕባይ
- ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜርከቡ ናውትን ህንፃታትን
- ፖስተራት
- ፎቶግራፊት
ኣግባብ ኣመሃህራ
መምህር እዙ ምዕራፍ ንምስትምሃር መጀመርታ ተምሃሮኦም እንታይነት ቤት
ትምህርቲ፣ ኣቀማምጣን ትሕዜቶን ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ
ዜስርሑ ንጥፇታት፣ ኣብ ፃውቲ ምስ ካልኦት ቆልዐት ዜገብርዎ ርክብ፣
ኣከባብራ ሕግን ዯንብን ቤት ትምህርቲ እንታይነት ሕጊ ቤት ትምህርቲ፣
ብዚዕባ ሕግታት ገዚን ጎረባብትን፣ ምስ ጎረባብትን ስዴራን ዜህልዎም ርክብ፣
ብዚዕባ ዴሕንነት ፅርግያ ምክልኻል ሓዯጋ መንገዴን፣ ብንፊስ ዜምብልበሉን
ዜውርወሩን ከመይ ከምዜሰርሑ ክገልፁን ክመራመሩን ዕዴል ይሃቡዎም፡፡
34
መምህር ነዝም ዜስዕቡ ንኡስ ምዕራፊት ብቕዯም ሰዒብ የስርሕዎም፡፡ መምህር
ብዚዕባ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ እንተምህሩ ብቐዲምነት ተምሃሮኦም ናብ ቀፅሪ ቤት
ትምህርቲ ብምውሳዴ ኣብኡ ለዉ ህንፃታትን ካልኦት መልክዒትን ክሪኡ
ዴሕሪ ምግባር ባዕሎም ኣስማቶም ክፀርሑ ይግበሩ፡፡ ቀፂሎም ነዝም ዜስዕቡ
ንጥፇታት የስርሕዎም፡፡
ንጥፇት 1. ተምሃሮ ነቲ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከብ ስእሊ ቀፅሪ ቤት
ትምህርቲ ብምርኣይ ሕቶታት ክምልሱ የለዒዕልዎም፡፡
ነዙ እንተጠቓልሉ ባንዳራ ኩሉ ግ ኣብ ቕዴሚ መምሃሪ ክፍልታት ይትከል፡፡
ብበሪ እንትትኣቱ ብቐዲምነት ዜርከብ ባንዳራ እዩ፡፡ ሽቓቕ ዴማ ካብ
ክፍልታት ርሒቑ ይርከብ፡፡ ኩዕሶ ሜዲ ኣብ መንጎ ሽቓቕን መምሃሪ
ክፍልታትን ይርከብ ኢሎም ይግለፁሎም፡፡
35
ቤት ትምህርቶም ለዉ ንጥፇታትን ባዕሎም እንታይ ክሰርሑ
ከምዜኽእሉን ብጉጅለ ክመያየጡን ክምዜግቡን የለዒዕልዎም፡፡
36
ንጥፇት 6. ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዜርከቡ ሕግታት፣ ንቐፃሊ ክህልዉ
ዜግበኦም ሕግታት፣ ካልኦት ዜፇልጡዎም ሕግታት ክዜርዜሩን
ንምንታይ ከምዜወፁን ኣብ ክፍሊ ብጉጅለ ኮይኖም ክመያየጡ
ይግበሩ፡፡
37
ንጥፇት 9. ተምሃሮ ኣብ ገዜኦም ዜኽበሩ ሕግታትን ንቐፃሊ ክኽበሩ ዜግባእ
ክገልፁ፣ ከውፅኡን ብፀብፃብ መልክዕ ንክፍሊ ከቕርቡን ይግበሩ፡፡
ንጥፇት 10. ተምሃሮ ኣብ ከባቢኦም ዜትግበሩ ሕግታት ክዜርዜሩ ይሕተትዎም፡፡
ቀፂሎም ኣየኖት ሕግታት ጎረባብቲ ከምዜትግበሩ ንክገልፁ
የተባብዕዎም፡፡ ብተወሳኺ እውን ኣዴላይነት ሕግታት ጎረባብቲ
ሓቲቶም ብምምፃእ ንክፍሊ ፀብፃብ ከቕርቡ የተባብዕዎም፡፡
38
ንጥፇት 13. ተምሃሮ ነዙ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ዜርከብ ሰዯቓ ለዉ
ስእልታት ብምርኣይ ፅቡቕን ሕማቕን ጉርብትና ብምባል
ንክፇልዩ ይሕተትዎም፡፡
ንጥፇት 14. ተምሃሮ ነቶም ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ ኣብቲ ሰዯቃ ለው
ስእልታት ብምርኣይ ሕማቕ ወይ ፅቡቕ ጉርብትና እናበሉ
ክፇልዩ ይግበሩ።
39
ካብ ፅርግያን ፅርግያ ወፃእን ርሒቕካ ብምፅዋት ሓዯጋታት ምክልኻል
ከምዜከኣል እዙኦም እውን ካብ መኪና ዜሓልፈሉ ወፃኢ ብናይ እግረኛ
ምንቅስቓስን ምግዲስን፣ መንገዱ ብምቁራፅ ዜመፁ ሓዯጋታት ምውጋዴ፣
ዴልዴላት ገዯላትን ሸተት ዜብሉ ነገራትን ብጥንቃቐ ምቁራፅ፣ ሕግታት
ትራፉክ ከም ምቁራፅ ሽሉም መንጊ /ዛብራ ክሮሲንግ/ን ናይ ትራፉክ
መብራህቲ ከም ቀይሕ፣ ብጫን ቆፅለዋይን ሕብርታት ምርኣይ፣ ብፀልማት
እንትጉዒዘ ዴማ ብንፁር ንምርኣይ ፃዕዲ ኽዲን ምኽዲን፣ ኣብ ከባቢ ገፀር
እንተኾይኑ እውን ሩባታት ኣብ ምስጋር ኣዴላዪ ጥንቃቐ ምግባር፡፡ እዘይ
እውን ቆልዐት ውሕጅ እንትሰግሩ ዕምቆት ናይቲ ማይ ምርኣይ፣ እቲ ማይ
ዒሚቕ እንተኾይኑ ምስ ዒበይቲ ሰባት ኮይንካ ምስጋር ከምዜግበኦምን ስፍሕ
ዜበለ መብርሂ ይሃብዎዎም፡፡
40
ኣትዮም ዜተፇላለዩ ምንቅስቓሳት ከምርእዩን ብወረቐት ተንሳፇፍትን ብንፊስ
ዜምብልበሉን ነገራት /ካይት/ ከምዜሰርሑ ስፍሕ ዜበለ መብርሂ ይሃቡዎም፡፡
መጠቓለሊ
መምህር ናይዙ ምዕራፍ ከይዱ ምምሃር ምስትምሃር ዜተፇላለዩ ኣግባባት
እናተጠቐሙን ቀፂሎም ኣብ ዜተርሩ ሓሳባት እናተዯረኹን የጠቓልሉሎም፡፡
- ቤት ትምህርቲ ፍልጠት፣ ክእለትን ዜንባለን ተምሃሮ ንምምዕባል
ገልግል ማእኸል ከምዜኾነ፣
- ኣንፇት ሓዯ ቦታ ወይ ዴማ ሓዯ ነገር ካብ ፍሉጣት ነገራት ይኹን ካባና
በበይ ከምዜርከብ ዜሕበረሉ ከምዜኾነ፣
- ኣንፇት ገዚናን ቤት ትምህርትናን ብመንፅር ኣብቲ ከባቢ ዜርከቡ
ፍሉጣት ነገራት ብየማን፣ ብፀጋም ብቕዴሚት፣ ብዴሕሪት ከምንብልን
በዙ ኣቢልና ዴማ ኣንፇት ከምንሕብርን
- ኣብ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ ሽቓቕ፣ ኩዕሶ ሜዲ፣ ባንዳራ፣ ቡምባ ማይ፣
ቤተ ንባብ ወተ ከምዜርከቡ፣
- ኣብ ውሽጢ መምሃሪ ክፍሊ ዴማ ንከይዱ ምምሃር ምስትምሃር ዜሕግዘ
ከም ፀሊም ሰሌዲ መምሃሪ ሓገዚት መቐመጢ ወናብር ወተ ዜበሉ
ዜተፇላለዩ ናውቲ ከምለዉ፡
- ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም ስፖርት ቡዴን፣ ክለብ፣ ንጥፇታት ተምሃሮን
መምህራንን ወተ ከምለዉ፣
- ቤት ትምህርቲ ናይ ባዕሉ ሕግን ዯንብን ከምለዎ
- ተምሃሮ፣ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ቤት ትምህርቲ በዝም ሕግን
ዯንብታትን እዙኦም ከምዜምርሑ፡፡
- ተምሃሮ ኣብ ገዚ ቤት ትምህርትን ምስ ጎረባብትን ፅቡቕ ርክብ ክህልዎም
ከምዜግባእ
- ኣብ ፅርገያ እንተቋርፁ የማነ ፀጋም ክሪኡ ከምለዎም
- ናብ ኩሉ ኣንፇት ከይረአኻ ፅርግያ ምቁራፅ፣ ክእለት ምሽክርካር ምንኣስ
ዜሃዯሙ እንስሳት፣ ውሑጅን ምኽንያታት ሓዯጋ ከምዜኾኑ፣
41
- ወረቐት ብምጥቃም ከም ተወርወርትን ብንፊስ ዜምብልበሉን ነገራት
ምስራሕ ከምዜከኣል
ኣገባብ ገምጋም
እቲ መምሕር ሕዴሕዴ ስራሕ ተምሃሮ ኣብ መላእ ምዕራፊት ብተኸታታሊ
ክግምገሞምን ምስ እዝም ኣገላልፃታት ብመሰረት ዜርዜር ዕላማታት ተምሃሮ
ኣዕጋቢ ተዯላዪ ዯረጃ ብቕዒት ከምዜጭብጡ ክውስን ኣለዎ፡፡
ክፍለ ግ
ነዙ ምዏራፍ እዘይ ዜተመዯበ ክፍለ ግ እንትኸውን ከምዜስዕብ ምጥቃም
ይከኣል፡፡
42
ርእሲ ክፍለ ግ
ቀፅሪ ቤት ትምህርትና 12
ሕግታትን ዯንብታትን ነኽብር 6
ዯሕንነት መንገዱ 12
ኣብ ቤት ትምህርትና እንሰርሖም ንጥፇታት 6
43
ምዕራፍ 4
ጣብያና
መእተዊ
እዙ ምዕራፍ ተምሃሮ ቅዴሚት፣ ዴሕሪት፣ የማንን ፀጋምን ኣንፇታት ዜፇልጥሉ
እዩ፡፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢኦም ለዉ ህይወት ይብሎምን ህይወት ለዎምን
ዜፇልዩሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ከባቢኦም ለዉ ልሙዲት ንጥፇታት
ሕብረተሰብን መጓዒዜያን ፍልጠት ዜረኽብሉ ኮይኑ መብዚሕትኡ ኣብ ተግባራዊ
ንጥፇታት ዜተዯረኸ እዩ፡፡
ዜርዜር ዕላማታት
- የማን፣ ፀጋም፣ ቅዴሚትን ዴሕሪትን ኣንፇታት ይፇልዩ፣
- ናይ ገዜኦም፣ ጎረባብቶምን ቤት ትምህርቶምን ኣቀማምጣ የመላኽቱ፣
- ሃለዋት ኣየር የርእዩ፣ ንምንታይ ከምዜጠቅም ይዚረቡ፣
- ሃለዋት ማይ ኣብ ራህያ፣ ዑላን ፇሳሲ ማይን የርእዩ፣
- ማይ ንምንታይ ጠቓሚ ከምዜኾነ ይዚረቡ፣
- ሓመዴ ተኽልታት ንምቡቃል ንምንታይ ኣዴላዪ ከምዜኾነ ይዚረቡ፣
- ቀለልቲ ዜኾኑ ቅርፅታትን ምስልታትን ብሸኽላ (ጭቃ) ተጠቒሞም
ይቐርፁ፣
- ተኽልታት ኣእዋም፣ ቁጥቋጥን ኣናእሽተይ ተኽልታትን ብምባል
ይምዴቡ፣
- ዜተወሰኑ ረብሓ ተኽልታት ይዚረቡ፣
- ንተኽልታት ዜግበር ክንክን ይዚረቡ፣
- እንስሳት እንስሳት ቤትን ገዲምን ብምባል ይምዴቡ፣
- ብዚዕባ ክንክን እንስሳት ይዚረቡ፣
- ዜተወሰኑ ጥቕምታት እንስሳት ይዚረቡ፣
- ረብሓ ስራሕ ይዚረቡ፣
44
- ንስራሕ ውልቃዊ ስራሕ፣ እንዲሰብ ተቖፂርካ ምስራሕን ስራሕ
መንግስትን ብምባል ይምዴቡ፣
- ብስርሖምን ኣብ ገዜኦም ብዜሰርሕዎም ቀለልቲ ዕዮታት ዕግበት የርእዩ፣
- ረብሓ መጓዒዜያ ይዚረቡ፣
- ኣብነታት ባህላዊ መጓዒዜያ ይህቡ፣
- ኣብነታት በናዊ መጓዒዜያ ይህቡ፡፡
መረዲእታ ንመምህር
ጣብያ፡- ማለት ኣብ ዜተፇላለዩ ስራሕቲ ዜተዋፇሩ ብዘሓት ሰባት ዜነብርሉ
ከባቢ እንትኾን ኣብ ትሕቲ ምምሕዲር ወረዲ ዜርከብ እዩ፡፡
ኣየር፡- ብኢዴና ኣይንጭብጦን፣ ጨና ኮነ ጣዕሚ የብሉን፡፡ ኣየር ህይወታውያን
ንኽነብሩ ናይ ግዴን የዴልዮም፣ ከምኡ’ውን ንዜተፇላለየ ግልጋሎት ዜጠቅም
ህይወት ይብሉ ባእታ እዩ፡፡
45
ማእኸለዎት ተኽልታት(shrubs)
ኣናእሽተይ ተኽልታት (herbs) እዮም፡፡
ዒበይቲ ተኽልታት ዜበሃሉ ዒበይቲ ኣእዋም እዮም፡፡ ኣብነት ሳግላ፣ ቀላሚጦስ
ወተ. ማእኸለዎት ተኽልታት ዜበሃሉ ኸዒ ቁጥቋጣት እዮም፡፡ እዙኦም ከዒ ከም
ሃምብሃምቦ፣ ኩልዖው ወተ ዜመሳሰሉ እዮም፡፡ ኣናእሽተይ
ተኽልታት ኣብ ውሽጢ ሓዯ ዒመት ዜቦቕሉ እዋናዊ ተኽለታት (annual
plants) እዮም፡፡ እዙኦም ከዒ ከም ዜተፇላለዩ ዒይነት እኽሊ፣ ሳዕርን
ዜመሳሰሉን እዮም፡፡
46
ጨጉሪ እንስሳት ክዲውንቲ ይስርሑ፤ ንመጓዒዜያ፣ ንማሕረስ፣ ገዚ ንምሕላው፣
ንምዜንጋዕ፣ ፍልፍል እቶትን ሸርፉ ወፃኢ ንምርካብን ወተ እዮም፡፡
47
ባህላዊ መጓዒዜያ ዜበሃሉ ከም ብእግሪ ምጉዒዜ፣ ፇረስ፣ በቕሊ፣ ግመል፣ ኣዴግን
እንትኾኑ በናዊ መጓዒዜያ ዜበሃሉ ከዒ መኪና፣ ናይ ፅዕነት መኪና፣ ኣውቶቡስ፣
ባቡር፣ ነፊሪት (ኣውሮፕላን)፣ መርከብ እዮም፡፡
መምሃሪ ሓገዜ
- ዜተፇላለዩ ፍልፍላት ማይ ርእዩ ስእልታት፣ ቻርትታትን ፖስተራትን
- ዒበይቲ፣ ማእኸለዎት፣ ኣናእሽተይ ተኽልታት ርእዩ ስእልታትን
ፖስተራትን
- ዜተፇላለዩ እንስሳ ቤትን ገዲምን ርእዩ ስእልታትን ፖስተራትን
- ዜተፇላለዩ ዒይነታት መጓዒዜያ ርእዩ ፖስተራት
ኣገባብ ኣመሃህራ
ቅዴሚ ኣንፇት ምምሃሮም ዜነብርሉ ጣብያን ቤት ትምህርቶም ዜርከበሉ ጣብያ
እንታይ ከምዜበሃል ብምሕታት ተምሃሮ መልሲ ክህቡ ብምግባር ይጀምሩ፡፡
48
ቀፂሎም ተምሃሮ ጥቕምታት ኣየር ክዜርዜሩ ይሕተትዎም፡፡ ኣብ መፅሓፍ
ተምሃራይ ተገሊፁ ሎ ጥቕሚ ኣየር ብምግላፅ የጠቓልልዎ፡፡
ብዚዕባ ማይ እንተምህሩ መጀመርታ እዝም ዜስዕቡ ሕቶታት ንተምሃሮ
ይሕተትዎም፡፡
49
4. እቲ ጭቃ ኣብ ፀፉሕ ነገር ብምጥፍጣፍ እናቖረፅካ ዜተፇላለዩ ቅርፅታት
ምስራሕ
50
እንስሳት ብኣነባብሮኦም ኣብ ክልተ ዜምዯቡ ምዃኖም ብኣብነት ምስገለፁሎም
ንጥፇት 14. ክሰርሑ ይግበሩ፡፡ እቲ ትኽክለኛ ናይቲ ንጥፇት መልሲ’ውን ኣብዙ
ዜስዕብ ሰዯቓ ተገሊፁ ኣሎ፡፡
እንስሳ ቤት እንስሳ ገዲም
1. ጤል 1. ዋዒግ
2. ግመል 2. ተመን
3. ኣዴጊ 3. ሓርማዜ
4. ከልቢ 4. ማንትለ
5. በቕሊ 5. ዜብኢ
6. ብዕራይ 6. ነብሪ
7. ፇረስ 7. ሰገን
8. ላሕሚ
51
ንጥፇት 19. ክሰርሑ ከለዉ እቲ ቅዯም ሰዒብ ኣሰራርሓ ክሕሎ ብምግባር
ሕዴሕዴ ጉጅለ ዜሃብዎ ቁፅሪ ኣብ ሰሌዲ ብምፅሓፍ እቲ ዜለዒለ
ቁፅሪ ዜሓ እንስሳ ቤት ኣብ’ቲ ከባቢ ዜተለመዯ ምዃኑ
ንተምሃሮ ብምግላፅ የጠቓልልዎ፡፡
ንጥፇት 20. ብዚዕባ ክንክን እንስሰሳት ብሕቶ መልክዕ ኣብ መፅሓፍ ተምሃራይ
ቀሪቡ ሎ ክመያየጡ ብምግባር እቲ ትኽክለኛ መልሲ ብምሃብ
መምህር የጠቓልልዎ፡፡
52
ንጥፇት 25. ክሰርሑ ከለዉ ናይ ሕዴሕዴ ጉጅለ ፀብፃብ ምስቀረበ መምህር
ዜኾነ ይኹን ሰራሕተኛ ስርሑ ብዜግባእን ብቕንዕናን
እንተይሰሪሑ ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ዜተፇላለየ ፀገምን ፅዕንቶን
ከምለዎ ብምግላፅ የጠቓልልዎ፡፡
53
መጠቓለሊ
ኣብ መወዲእታ ነዝም ዜስዕቡ ቀንዱ ነጥብታት ብምልዒል ነቲ ምዕራፍ ኣሕፅር
ኣቢሎም የጠቓልልዎ፡፡
- ምፍላይ ኣንፇታት ቅዴሚት፣ ዴሕሪት፣ የማንን ፀጋምን
- ህይወት ይብሎም ነገራት ኣየር፣ ማይን ሓመዴን፣
- ዒበይቲ፣ ማእኸለዎትን ኣናእሽተይን ተኽልታት ኣፇላላይ
- እንስሳ ቤትን ገዲምን ብምባል እንስሳት ምምዲብ
- ረብሓ ስራሕ እንታይ ከምዜኾነ፣
- ዒይነታት ስራሕ ምፍላይ፣
- ጥቕሚ መጓዒዜያ ምግላፅ፣
- በናውን ባህላውን መጓዒዜያ ምፍላይ፡፡
ኣገባብ ገምጋም
እቲ መምህር ንሕዴሕዴ ተምሃሮ ኣብ መላእ እቲ ምዕራፍ ዜሰርሕዎ ስራሕ
ብተኸታታሊ ክምዜኖምን ምስ እዝም ዜስዕቡ ኣገላልፃታት ብመሰረት ዜርዜር
ዕላማታት ኣብ ተዯላዪ ዯረጃ ብቕዒት ክንዯይ ከምዜጨበጡን ንምውሳን
ከወዲዴር ኣለዎ፡፡ እዙ ዜግበር ሎ እቲ ተምሃራይ ዕግብ ተዯላዪ ዯረጃ
ምርካቡን ይምርካቡን ንምውሳን እዩ፡፡
ኣብ ዕግብ ተዯላዩ ዯረጃ ብቕዒት ዜሰርሑ ተምሃሮ
- የማን፣ ፀጋም፣ ቅዴሚትን ዴሕሪትን ብምባል ኣንፇታት ይፇልዩ፡፡
ገዜኦምን ቤት ትምህርቶምን ንምምልኻት ይጥቀምሉ፡፡
- ሃለዋት ኣየርን ማይን የርእዩ፤ ንምንታይ ኣዴለይቲ ከምዜኾኑ ይዚረቡ፣
- ተኽልታትን እንስሳትን ይምዴቡ፤ ረብሓኦምን ከመይ
ከምዜከናኸኑዎምን ይዚረቡ፣
- ዒይነታት ስራሕ ይምዴቡን ረብሐኦም ይዚረቡን፣
- ረብሓ መጓዒዜያ ይገልፁ፣፡
- ኣብነታት ባህላውን በናውን መጓዒዜያ ይህቡ፡፡
54
ካብ ዕግብ ዯረጃ ብቕዒት ንላዕሊ ለዎም ተምሃሮ ክዴነቑን ፍፃመታቶም ወይ
ሰራሕቶም ክፍለጠሎም ኣለዎ፡፡ ንቐፃሊ ጠንኪሮም ክሰርሑ ክተባብዐ ኣለዎም፡፡
ብዜሰርሕዎ ስተርሕዩ (ዜዒግቡ) ክኾኑ የብሎምን፡፡
ክፍለ ግ
ነዙ ምዕራፍ ዜተመዯበ ክፍለ ግ 57 እንትኸውን ከምዜስዕብ ተሸንሺኑ ኣሎ፡፡
ኣቀማምጣ ጣብያ 9
ህይወት ይብሎም ነገራት ኣብ ከባቢና 13
ህይወታውያን ከባቢና 9
ልሙዲት ንጥፇታት ሕብረተሰብ ከባቢና 13
መጓዒዜያ ኣብ ከባቢና 13
55